Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ከምቲ ብዙሕ ምርኮ

Kemti Bizuh Mirko

ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ንስኻ በይንኻ ጥራይ'ኻ

ምንጪ ሓጐሰይ

ንስኻ በይንኻ ጥራይ'ኻ

ምንጪ ሰላመይ

ንስኻ በይንኻ ጥራይ'ኻ

ምንጪ ጽቡቐይ

ምእሉ ውህበት ጽቡቕ ውህበት ካባኻ'ዩ

ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምላስ ጽላሎት ዘይብሉ

ንብዓተይ ደሪዝካ ኣጆኻ ትብለኒ

ከይደክም ከይሕለል ብኢደይ ትሕዘኒ

በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ

ንስኻ ምሳይ ኢኻ እንታይ ከይገጥመኒ

(ነብሰይ ክትዝምረልካ መታን ስቅ ከይትብል ኢልካ

ብኽያተይ ሳሕቂ ለዊጥካ ማእሰረይ ኩሉ ፈቲሕካ) /2

[ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ

ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ] /2

ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ /2

ጽድቕን ፍርድን ኣብ ምድሪ ምግባርካ

ብኡ'የ ዝሕጎስ ብኡ'የ ዝፍሳሕ

ብዝርአ ኣይኮነን ብንብረት 'ዛ ዓለም

ንሱስ ሓላፊኢ'ዩ ነባሪ ኣይኮነን

(ኣብ ሰማይን ንዓኻ ምርካበይ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ ነይብለይ

ትምክሕተይ ንስኻ ኢኻ ኩሉ ግዜ ይሕጎስ ብኣኻ] /2

[ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ

ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ] /2

ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ /2

ናብራ ናትካ ኣይምኖን ኣዚዩ ይጥዕመኒ

ኩሉ ግዜ ሓድሽ ሓድሽ ይኾነኒ

ቀቅድመይ ሓሊፍካ ኩሉ ተስልጠለይ

ጎዶሎይ ትመልእ ተጸግዋ ነፍሰይ

[ምሕረት ፍቕርኻ ይስዕባኒ ብዋልታ ጸጋ እኸባኒ

ይጠብቕ ኩሉ ግዚ ኣባኻ ኣይርሕቅ ንኣይፍለን ካባኻ] /2

[ከምቲ ብዙሕ ምርኮ ዝማረኸ

ልበይ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ] /2

ይሕጎስ ኣሎ ብኣኻ ይሕጎስ ኣሎ /2

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ