መን ኢዩ
Men Iyu
2017 · ትራክ 6 · አማርኛ
አዝማች · Chorus
መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)
መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ
ቁጥር 1 · Verse 1
ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታ ኣትነብር ንስኻ በይንኻ
ንብርሃንካ መን የጸልምቶ ንሓይልኻ መን ዕሽሽ ይብሎ(2)
ቁጥር 2 · Verse 2
እቶም መርመርቲ ንመርምር ኢሎም
እቲ ምንጭኻ ካበይ ኢዩ ኢሎም
እንተዘዋወሩ ምንጮም ፈሊጦም
ካብ ሃተወተው ሂወት ድሒኖም ምስ ክብርኻ ተራኺቦም(2)
ቁጥር 3 · Verse 3
ዓቢ(10) ስልጡን (10)
ብግርማኻ ስልጣን ዕቤትካ ፣ ጸላእትኻ ይግዝኡልካ
እናቀባጠሩ ይሰግዱልካ ፣ ከይፈተዉ ይምብርከኹልካ (2)
ቁጥር 4 · Verse 4
ኣነ እውን ነዚ ተረዲአ ፣
መዕረፍየይ ንስኻ ኢኻ ኢለ
ትውክልተይ ኣባኻ ኣንቢረዮ ፣
ንምርዳእካ ተረዲአዮ ፣ ብርክኽ ይብል መቺኡኒ ኣሎ (2)
ቁጥር 5 · Verse 5
ዓቢ(10) ስልጡን (10)
ነቲ ምስኪን ንስኻ ትዝክር ፣ ነቲ ሕዙን ትጸናንዕ
ናይ ፍቕርኻ ዘንጊ ትዝርግሕ ፣ ፍንፉን ብኽብሪ ትስሕብ
ምስ ሰማዕኩ በእዝነይ ድሮ፣
ረዲእትካ እቲ ብዓንተቦ
ተኣማሚነ ከምተዋጽኣኒ
ጨዲረ እንድየ ምሳኻ ይሕሸኒ፣ ንስኻ ኢኻ ተዋጻኒ (2)
አዝማች · Chorus
መን ኢዩ ፣መን ኢዩ ዘፍርሶ ምኽርኻ
መን ኢዩ ዝቕይር ሓሳብካ
ንምኽርታትካ ዝፈልጦ
ንምግላጽካ ዝደፍሮ(2)
መን ኢዩ(2)
መን ኢዩ፣ ዝከራኸረካ
መን ኢዩ፣ ዘይምብርከኽልካ
መን ኢዩ ዘይሰግደልካ
መን ኢዩ ዘይግዝኣልካ
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ