Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ስምካ ክጽውዖ የ

Semka Ketseweo Ye

2017 · ትራክ 3 · አማርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ስምካ ክጽውዕ የ ሂወተይ ዩ ንሱ //2

ስምካ ዪ ሓጎሰይ ልበይ ዝዓርፈሉ

ኣነስ የብለየን (ካልእ ዝዕቁበሉ) //2

የሱስ ምስ በልኩ,,,,, ኩሉ ዝኮነለይ

ስምካ ዩ ሓጎሰይ,,,, ምስጢር ናይ ሂወተይ

ኣብ ስምካ ምውካል ፈውስ ሓይል ኣሎዎ

ኣብ ስምካ ምእማን ፈውሲ ሓይሊ ኣሎዎ//4

የሱስ ኢለ ስምካ ጸውዐ

ሰላም ረኪበ ብኡ ዓጊበ

የሱስ ኢለ ስምካ ጸዊዐ

ሓይሊ ረኪበ ኣዝየ በርቲዐ//2

ስምካ ስ የሱስይ ጽኑዕ ግንቢ ዩ

ከም ዝብሎ ቃልካ መዕቆቢ ክይኑኒ

ኣነ ውን ብግደይ ነዚ ምስክር የ //4

የሱስ ኢሉ መን ኢዩ ከሲሩ

ኣይስማዕኩን ዝተማረረ //2

ስምካ ጸዊዐ ኣይደከምን ኢየ

ንሱ ዩ ምስጢር ትርጉም ናይ ምንባረይ

ናይ ዘላኣለም ርስቲ ኩሉ ዝኮነለይ //4

እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝጸዋዕኩሉ

ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ

እቲ ቁቡእ ስምካ ኣብ ዝድሃኩሉ

ኩሉ ግዜ ዓወት ስዕረት ዘይብሉ//4

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ