ንኣኻ'የ ዘምልኽ
N'aka'ye Zemlik
2013 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ካብ መዓር ይጥዕም ይምቕር ኣብ ኣፈይ
ስምካ ምስ ጸዋዕኩን ይሕድስ'ዩ ሓይለይ/2/
ሰትየ ዝረውየሉ ምንጪ ኣይኒ ማየይ
ስለዚ'የ መመሊሰ ዝብለካ የሱሰይ
ጽኑዕ ግንበይ ኢኻ መልሕቅ ናይ ሂወተይ
ስለዚ'የ ደጋጊመ ዝብለካ የሱሰይ
አዝማች · Chorus
ኦ ኩሉ ግዜ እባርኾ ንስምካ
ኦ ኩሉ ግዜ እባርኾ ንስምካ/2/
ሓይለይ'ዩ ስምካ ንዓይ ሂወተይ
ክብረይ'ዩ ስምካ ስልማተይ/2/
ንዓኻ'የ ዘምልኽ ንዓኻ'የ ዝሰግድ
ንዓኻ'የ ዘምልኽ ንዓኻ'የ ዝሰግድ
ዕብየትካ እናርኤኩ
ሓይልኻ እናርኤኩ
ግርማኻ እናርኤኩ
ዕብየትካ እናርኤኩ
ሓይልኻ እናርኤኩ
ስልጣንካ እናርኤኩ
ቁጥር 2 · Verse 2
ልዕሊ ኩሉ ኣስማት ኣዝዩ ክብ ዝበለ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ በይኑ ዝገነነ
ልዕሊ ኩሉ ኣስማት ኣዝዩ ክብ ዝበለ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ በይኑ ዝሰልጠነ
መለኾታዊ ሥም ዝገዝእ አብ ኩሉ
ሓይሊ ምልኪለ'ዎ መን ዘይምብርክኸሉ
መለኾታዊ ሥም ዝመልኽ አብ ኩሉ
ሓይሊ ምልኪለ'ዎ መን ዘይግዝኣሉ
አዝማች · Chorus
ኦ ኩሉ ግዜ እባርኾ ንስምካ
ኦ ኩሉ ግዜ እባርኾ ንስምካ/2/
ሓይለይ'ዩ ስምካ ንዓይ ሂወተይ
ክብረይ'ዩ ስምካ ስልማተይ/2/
ንዓኻ'የ ዘምልኽ ንዓኻ'የ ዝሰግድ
ንዓኻ'የ ዘምልኽ ንዓኻ'የ ዝሰግድ
ዕብየትካ እናርኤኩ
ሓይልኻ እናርኤኩ
ግርማኻ እናርኤኩ
ዕብየትካ እናርኤኩ
ሓይልኻ እናርኤኩ
ስልጣንካ እናርኤኩ
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ