ካብ መረጽካኒ
Kab Meretskani
2013 · 7:00 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ካብ መረጽካኒ ዕጣን ክዓጥን
መቕደስካ ኣትየ ተመስገን ክብል
እዚ ካብ ኮነ ጻውዒት ናተይ
ከኽብረካ’የ ምሉእ ዘመነይ
ኩሉ ጊዜ ክበር እብለካ
ደደጋጊመ አኽብሮ ስምካ (2x)
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣይደክምን’የ ኣትየ መቕደስካ
ሓይለይ ይሕደስ ከምልኸካ
ኣይስልክን’የ ኣትየ መቕደስካ
ሓድሽ ፣ ሓድሽ ክብሪ እንድዩ ዘሎካ
ንጉሰይ ዘልኣለም ንገሰኒ ፣ ንገሰኒ ፣ ንገሰኒ
ፈትየ ኣለኹ ተሰማሚዑኒ
ንስኻ ክትነግሰኒ ኣነ ከንግሰካ
ዘመነይ ከሕልፎ ኣብ ትሕቲ እግርኻ
ንስኻ ክትገዝኣኒ ኣነ ክግዝኣካ
ምውዓለይ ክኾነለይ ኣብ ትሕቲ እግርኻ
አዝማች · Chorus
ኣዝ፥ እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሎሚ’ውን ዘሎኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሎሚ’ውን ዘሎኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሕጂ’ውን ዘሎኒ
ንኣኻ ዘይከውን ኣይኹነኒ
እንካ ኩልንትናይ ንስኻ ውረሰኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ እታ ዘላትኒ
ንኣኻ ዘይከውን ኣይኹነኒ
እንካ ኩልንትናይ ንስኻ ውረሰኒ
ቁጥር 3 · Verse 3
ብስመይ ጸዊዕካ ካብ በልካኒ ናተይ
ዘመነይ እህበካ በይንኻ ክትከብረለይ
ንስኻ’ኳ ብኣይ ክትከብር ፈቲኻ
ደስ እናበለኒ’የ ዝግዝኣካ (2x)
አዝማች · Chorus
ኣዝ፥ እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሎሚ’ውን ዘሎኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሎሚ’ውን ዘሎኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ ሕጂ’ውን ዘሎኒ
ንኣኻ ዘይከውን ኣይኹነኒ
እንካ ኩልንትናይ ንስኻ ውረሰኒ
እንካ ሕጂ’ውን ህይወተይ
እንካ እታ ዘላትኒ
ንኣኻ ዘይከውን ኣይኹነኒ
እንካ ኩልንትናይ ንስኻ ውረሰኒ
ቁጥር 4 · Verse 4
ውረሰኒ ፣ ውረሰኒ ኩልንትናይ ውረሰኒ (4x)
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ