Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ኣይጉደልካ ክብሪ

Aygudelka Kebri

2011 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ትማሊእኳ ዘሕለፍካኒ

ዘይስገር ዘስገርካኒ

ከመይ ኢለ እየ'ሞ ዝጠራጠረካ

ከይኮነ ግዳ አመስግነካ /5

የሱስ /4

ትማልን ሎሚን ንዘልኣልም ንስኻ ኢኻ

የሱስ ኣይተለወጥካን

ኣልፋን ኦሜጋን ቀዳማይ ዳሕራይ ንስኻ ኢኻ

የሱስ ኣይተለወጥካን

ብዝርእዮ ኣይፈርህን'የ

ብዝሰምዖ ኣይሰግእን'የ

ኣይሰቅልን'የ መሰንቆይ ኣብ ዑቦል

ልዕሊ ኩነታት ኢኻ እግዚኣብሄር /4

ኣይጉደልካ ክብሪ ኣይጉደልካ ክብሪ

ኣይጉደልካ ክብሪ ኣንታ ጐይታ ክብሪ

ኣይጉደልካ ኣምልኾ ኣይጉደልካ ኣምልኾ

ኣይጉደልካ ኣምልኾ ኣብ መቅደስካ ይእቶ

[ይሰዋእ ለይቲ ምስ መዓልቲ

ኣይጉደል ኣይጉደልካ ክብሪ] /2

ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር

ብምስጋና ህዝብኻ ትኸብር

ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር

ነፍሰይ ፈትያ ንኣኻ ትዝምር

ኣይጉደልካ ክብሪ...

[የብልካን የብልካን መሳሊ

የብልካን ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ] /2

ኩሉ ብርኪ ንዓኻ ይምብርከኽ

ልሳን ዘበለ ክብርኻ ይኣምን

ኣነ ፈትየ ንኣኻ የምልኽ

ኩሉንትናይ ኣብ ቅድሜኻ የፍስስ

ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት

ኣቤት ክብርኻ [ኣቤት] /3 የለን ከማኻ

ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣቤት

ኣቤት ዕብየትካ [ኣቤት] /3 መን ይመስለካ

[ዘይግለጽ ዕቤት'ዩ ዘሎካ

ዘይድፈር ልኡላውነትካ] /2

እልፊ ቃላት ኣይገልጾን ዕቤትካ

ስጋን ደምን መዓስ ይበጽሓካ

እልፊ ቃላት ኣይገልጾን ዕቤትካ

ስጋን ደምን መዓስ ይበጽሓካ

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ