ምስጢር ዓወተይ
Mstir Awetey
2011 · ትግርኛ
አዝማች · Chorus
ኩነታተይ ከምዘለዎ ይጽናሕ ኣየቋርጽን ንዓኻ ካብ ምምላኽ
ነገራተይ ከምዘለዎ ይጽናሕ ኣየቋርጽን ንዓኻ ካብ ምምላኽ
ሕቶታተይ ከምዘለዎ ይጽናሕ ኣየቋርጽን ንዓኻ ካብ ምምላኽ
ኣየቋርጽን ንዓኻ ኻብ ምምላኽ /4
ቁጥር 1 · Verse 1
ከምልኽ ክሰግድ ከለኹ ኣብ ውሻጠይ
ኣብ ኣደባባይ ማይ ከምዝብተን በተኖም ጸላእተይ
ከመስግን ክዝምር ከለኹ ኣብ ውሻጠይ
ኣብ ኣደባባይ ማይ ከምዝብተን በተኖም ጸላእተይ
ቁጥር 2 · Verse 2
ምስጢር ዓወተይ እዚ’ዩ ነቲ ቀዳማይ ምስ ገበርክዎ ቀዳማይ
ብትን ብትን በሉ ጸላእተይ ካብ ዙርያይ ኩሎም ዘጽበቡለይ
ምስጢር ዓወተይ እዚ’ዩ ነቲ ቀዳማይ ምስ ገበርክዎ ቀዳማይ
ግልል ግልል በሉ ጸላእተይ ካብ ዙርያይ ኩሎም መጨነቅተይ
አዝማች · Chorus
ኣነ ዘይተጸበኽዎ ዘገርም ግብሪ ምግባርዩ ልማድካ /4
ቁጥር 3 · Verse 3
ሓድሽ ነገር ምግባር ልማድካ ዝኾነ
ዘይተለምደ ምግባር ልማድካ ዝኾነ
ዘይክኣል ምኽኣል ልማድካ ዝኾነ
ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ
ኣብ ልቢ ዘይተሓስበ ኢዩ ዘሎኒ ኣነ
ቁጥር 4 · Verse 4
ውሬታ እግዚኣብሔርዩ ልበይ ዝኸበዶ
ፍቅሪ እግዚኣብሔርዩ ልበይ ዝኸበዶ
ምሕረት እግዚኣብሔርዩ ልበይ ዝኸበዶ
አዝማች · Chorus
ከምዚ ተበልኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
ከምቲ ተበልኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
እንተ ዘመርኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
እንተ ሸብሸብኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
እንተ ዘለልኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
እንተ ዓለልኩዴ ከመይ ኢለየ ዝገልጾ
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ