ኣብዚ ዘብጻሕካኒ
Abzi zebxahkani
ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ኣብዚ ዘብጻሕኻኒ ንስኻ ኢኻ ኣብዚ
ኣብዚ ዝበጽሕኹ ብኣኻ'ዩ ኣብዚ
ነየናይ ጀሚረ ነየናይ ክገድፎ
ዝገበርካለይ ብዙሕ'ዩ ጸብጺበ ኣይበጽሖን
ምስጋና'ዩ ዘሎኒ ንዓኻ ስለቲ ሰናይካ
ምስጋና'ዩ ዘሎኒ ንዓኻ ስለቲ ጽቡቕካ
ኣበይ ምሃለኹ እንተዘይትሓስበኒ
ካብ ጎድፍ ኣልዒልካ ዙፋን ክብሪ እንተዘይተውርሰኒ
ብሂግካኒ ኢኻ'ሞ ኣናጊፍካኒ
ንቁም ነገር ኮይነ ሰብ ጌርካኒ
አዝማች · Chorus
ኣብዚ ዘብጻሕኻኒ .....
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣበይ ምሃለኹ እንተዘይትሓስበኒ ....
ቁጥር 3 · Verse 3
ኦሮማይ ዝተባህሎ ሓወልቲ ዝተገብሮ
ክንደይ ዘይተሓልፈ በርኽቲ ስንጭሮ
ኣብ ዝባንካ ጼርካ ሓንጊርካ ኣስጊርካያ
ምህላውካ ምስኣ ነብስይ ምስክርኢያ
ኣብ ዝባንካ ጼርካ ሓንጊርካ ኣስጊርካያ
ምህላውካ ምስኣ ሎሚ ምስክርኢያ
ቁጥር 4 · Verse 4
ኣለኹ ኣይጠፋእኩ ንዋጋ'ዩ ተኸፊሉኒ
ሒዙ ኣየስጠመንን እቲ ረግረግ ሰልሚ
ሞተይ እንተኣውረየ ትምኒት'ዩ ጸላኢ
ኣነ ግን ኣለኹ'የ ካብዘይጠፍእ ዘርኢ
አዝማች · Chorus
ኣብዚ ዘብጻሕኻኒ ....
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ