እግዚኣብሔር ዝበሎ
Egziabhier zbelo
6:29 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
እግዚኣብሄር ዝበሎ እሱ'ዩ ዝኸውን /4
[ንሓሶት ሰይጣን ከይሰምዖ እዝነይ ሓቲመ'የ
ዝበሎ ከምዝገብሮ ኣምላኸይ ይኣምኖ'የ] /2
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣምላኸይ ከይሕሱ ከም ሰብ ኣይኮነን
ከይጠዓስ ድማ ወዲ ሰብ ኣይኮነን
ኣይኮነን ኣይኮነን ኣይኮነን /2
አዝማች · Chorus
[ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብዕድለይ ኣይነብርን
ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብኣጋጣሚ ኣይነብርን] /2
እግዚኣብሄር ዝበሎ እሱ'ዩ ዝኸውን /4
ቁጥር 3 · Verse 3
[ሰብከ ተጨኒቑ ኣብልዕሊ ቁመቱ
እንታይ ዝውስኾ እንታይ'ከ ኣሎ'ዩ] /2
ቁጥር 4 · Verse 4
ብኣምላኽካ ጽናዕ ልብኻ ኣይሸበር
እሱ'ዩ ዝፍጸም ሓሳብ እግዚኣብሄር
እግዚኣብሄር እግዚኣብሄር እግዚኣብሄር /2
አዝማች · Chorus
[ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብዕድለይ ኣይነብርን
ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብኣጋጣሚ ኣይነብርን] /2
እግዚኣብሄር ዝበሎ እሱ'ዩ ዝኸውን /4
ቁጥር 5 · Verse 5
እግዚኣብሄር ዝበሎ እሱ'ዩ ዝኸውን /4
[ካብ ምድላይ ኣይኮነን ወይ ካብ ብዝሒ ምጉያይ
ኣሜን ምባል'ዩ ፍቓዱ ምጽባይ] /2
ቁጥር 6 · Verse 6
ምስኡ ምስምማዕ ዝመስልዎ የለን
ምኽሩ ብዘይፍልጠት ዘጸልምቶ የለን
የለን የለን የለን የለን ከቶ የለን
የለን የለን የለን የለን ከቶ የለን
አዝማች · Chorus
[ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብዕድለይ ኣይነብርን
ኣምላኸይ ከምቲ ዝበሎ'ምበር ብኣጋጣሚ ኣይነብርን] /2
እግዚኣብሄር ዝበሎ እሱ'ዩ ዝኸውን /4
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ