መምለጢ ኮይኑኒ
Memleti koynuni
ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ብምሉእ ልበይ ብምሉእ ነፍሰይ
ብምሉእ ሓይለይ ብኹሉንትናይ
ከምልኾ'የ ነቲ [ዝሞተለይ] /2
ዋጋ ከፊሉ [ዝዓደጋ ነፍሰይ] /2
ከምልኾ'የ ነቲ [ዝሞተለይ] /2
ደሙ ከፊሉ [ዝተበጀዋ ነፍሰይ]/2
ናይ ሞት መልኣኽ ቤተይ ከይኣቱ
መምለጢ ኮይኑኒ ምልክት ናይ ደሙ
ደሙ ሰጊሩ መን ከይሓልፈኒ
ኪዳኑ ጽኑዕ'ዩ 'ቲ ናይ ደም ሓይሊ
ደሙ ኣብ ልዳተይ'ዩ መን ከይረኽበኒ
ኪዳኑ ጽኑዕ'ዩ 'ቲ ናይ ደም ሓይሊ
አዝማች · Chorus
መምለጢ ኮይኑኒ መምለጢ
መምሎቒ ኮይኑኒ መምሎቒ
መህደሚ ኮይኑኒ መህደሚ
ክቡር ደሙ ህያው ደሙ መምለጢ ኮይኑኒ
ጻድቕ ደሙ ቅዱስ ደሙ መምሎቒ ኮይኑኒ
ቁጥር 2 · Verse 2
ደጊም መርገም ጥንቆላ ድግምቲ
ኣባይ ኣይሰርሕ'ዩ ጌሩለይ'ዩ መምሎቒ
ቁጥር 3 · Verse 3
[ዋጋ ከፊሉ ናቱ ጌይሩኒ
ዓሌት ኣምላኽ'የ ኣሎኒ ዘርኢ] /2
አዝማች · Chorus
መምለጢ ኮይኑኒ መምለጢ
መምሎቒ ኮይኑኒ መምሎቒ
መህደሚ ኮይኑኒ መህደሚ
ክቡር ደሙ ህያው ደሙ መምለጢ ኮይኑኒ
ጻድቕ ደሙ ቅዱስ ደሙ መምሎቒ ኮይኑኒ
ቁጥር 4 · Verse 4
ማሕላ ሞትን ሲኦልን ኣፍሪሱ
ሓይሎምን ብልሖምን ኩሉ ከንቱ ጌይሩ
[ብደሙ ሓዲስ ኪዳን ከፊቱ
ህይወት ሂቡኒ ህይወት ምስትርፉ] /2
አዝማች · Chorus
መምለጢ ኮይኑኒ መምለጢ
መምሎቒ ኮይኑኒ መምሎቒ
መህደሚ ኮይኑኒ መህደሚ
ክቡር ደሙ ህያው ደሙ መምለጢ ኮይኑኒ
ጻድቕ ደሙ ቅዱስ ደሙ መምሎቒ ኮይኑኒ
ቁጥር 5 · Verse 5
ብምሉእ ልበይ ብምሉእ ነፍሰይ
ብምሉእ ሓይለይ ብኹሉንትናይ
ከምልኾ'የ ነቲ [ዝሞተለይ] /2
ዋጋ ከፊሉ [ዝዓደጋ ነፍሰይ] /2
ከምልኾ'የ ነቲ [ዝሞተለይ] /2
ደሙ ከፊሉ [ዝተበጀዋ ነፍሰይ]/2
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ