እየሱስ ኢለ
Eyesus ile
5:58 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
የሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ
ሓይለይ ተሓዲሱ ካብ ድኻም በርቲዔ
የሱስ ኢለ ስሙ ጸዊዐ
ምልኮይ ተመሊሱ ጸላእተይ ስዒረ
እወ ስሙ ፈውሰይ ኢዩ
እወ ስሙ ሰላመይ'ዩ
እወ ስሙ ዕረፈተይ'ዩ
እወ ስሙ ህይወተይ'ዩ
አዝማች · Chorus
ከይጸዋዕክዎ ኣይውዕልን ከይጸዋዕክዎ ኣይሓድርን
ብዘይ ብኡ ዘይኮነለይ ድቃስ የብሎምን ዋሃዮታተይ /2
የሱስ /4
ቁጥር 2 · Verse 2
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
እወ ስሙ ዝፈስስ ቅብኢ
እወ ስሙ ዝማርኽ ፍቕሪ
እወ ስሙ ጽኑዕ ግምቢ
እወስሙ ሞጎስ ወሃቢ
አዝማች · Chorus
ስሙ ጸዊዔ ኣይሓፈርኩን
ዘሕፍር ኣምላኽ ኣየምለኽኩን
ኣብ ልዕሊ ማያት መንገዲ ኣለዎ
ምስጢር ዓወትይ የሱስ'ዩ'ሞ
ኣብ ልዕሊ ማያት መንገዲ ኣለዎ
ምስጢር ዓወትይ ስሙ'ዩ'ሞ
የሱስ /4
ቁጥር 3 · Verse 3
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
እወ ስሙ ሓይለይ ኢዩ
እወ ስሙ ክብረይ ኢዩ
እወ ስሙ ትምክሕተይ'ዩ
እወ ስሙ ስልጣነይ'ዩ
አዝማች · Chorus
ዓወት ብዓወት ዝመርሓኒ ልዕሊ ጸላእተይ ደው ዘብለኒ
መልኮታዊ ሓይሊ ኣብ ስሙ'ሎ ዝስመ ዘበለስም ዝግዝኦ /2
የሱስ /4
ቁጥር 4 · Verse 4
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
ዘይምኖ ስም ዘይጽገብ ስም
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
መመሊሰ እጽውዖ የሱስ ይብል
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ