ወንጭፍ
Wenchif
ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ከርክቦም'የ ኢሉ ገስጊሱ
ዘለዎ ሓይሊ ኣኽቲቱ
ባሕሪ'ዶ ኮይኑ ፈራዲ
ኣብ መንጎና ዝፈላሊ
አዝማች · Chorus
[ንጸላእቲ ዝወሓጠ ባሕሪ
ንዓይ ግን ኮይኑ መስገሪ] /2
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣታ ጠሓሲ ምሳኻ ንጥሕስ
ካብቶም ሰዓርቲ ኣዚና ንበልጽ
ከስግዶም'የ ኢሉ ሓንሒኡ
ንምስሉ ስለዘይሰገዱ
ሸውዓተ ዕጽፊ ዋላይንደድ
'ፈልጥ'የ ንመን ከምዝስገድ
አዝማች · Chorus
ወዲ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ሓዊ
ኮይኑለይ ንሽመት ክብሪ /2
አዝማች · Chorus
ጐይታ የሱስ ኣብ ዘለዎ ሓዊ
ኮይኑለይን ሽመት ክብሪ /2
ቁጥር 3 · Verse 3
ኣታ ጠሓሲ ምሳኻ ንጥሕስ...
ከጥፍኦም'የ ኢሉ ፈኪሩ
ጎልያድ ብትዕቢት ነዲሩ
ንግሆ ንግሆ ቃላት መርገም
ኣይጻወሮን ህዝበይ ክርገም
አዝማች · Chorus
[ህያው እምኒ ሓንቲ'ያ ትኣኽሎ
ወንጪ ፈግንባሩ አንህሎ] /2
ቁጥር 4 · Verse 4
ኣታ ጠሓሲ ምሳኻ ንጥሕስ...
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ