Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

መንበርየይ

Menberiyey

6:09 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

መንበሪየይ ኢኻ ኣሃኣሃ መንበሪየይ ኢኻ ሃ /2

መንበሪየይ ኢኻ ኣሃ መንበሪየይ ኢኻ ሃሌሉያ /2

ትርጉም ምንባረይ ንስኻ ኢኻ /4

ምንባረይ ፈትየዮ ሳላኻ ምንባረይ ፈትየዮ ሳላኻ /2

ኣታ ኩሉ ከኣሊ ኮንካኒ ኢኻ መጽለሊ

ኣታ ኩሉ ከኣሊ ኮንካኒ ኢኻ መዕረፊ

ኣታ ኩሉ ከኣሊ ኮንካኒ ኢኻ መዕቆቢ

ኣታ ኩሉ ከኣሊ ኮንካኒ ኢኻ መንበሪ

ዘልኣለማውያን ቀላጽምካ ደጊፈናኒ ኣለዋ

ዘልኣለማውያን ቀላጽምካ የዕሪፈናኒ ኣለዋ

ጐይታ ሳላኻ'ዩ ካባኻ ዝተላዕለ'ዩ

ናብራይ ጥዒሙ ናብራይ ጥዒሙ

ናብራይ ጥዒሙ ሃሌሉያ

ከምዚ ስለ ዝኾንኩ ከምቲ ስለ ዝኾንኩ

ብሓይልን ብክእለትን ኣይኮንኩን'የ ዘለኹ

ብምሕረት ዓቢ ኣምላኽ ተንብረኒ ኣሎኻ

ቀለበይ ኮይኑ ኣሎ ካብ ብሩኻት የእዳውካ

ዘልኣለማውያን ቀላጽምካ ደጊፈናኒ ኣለዋ

ዘልኣለማውያን ቀላጽምካ የዕሪፈናኒ ኣለዋ

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ