ብቀደሙ ተወኪለካ
Bqedemu tewekileka
4:35 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ብቀደሙስ ተወኪለካ'ንድየ
ብቀደሙስ ተደጊፈካ እንድየ
ብቀደሙስ ተጸጊዔካ እንድየ
ብቀደሙስ ተመኪሔልካ እንድየ
አዝማች · Chorus
[ንሓይልኻ ተኣማሚነዮ ንኽእለትካ ተኣማሚነዮ
ንስልጣካ ተኣማሚነዮ ንቅልጽምካ ተኣማሚነዮ] /2
ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ [ኩሉግዜ] /3 እባርኹኻ ኣሃ
ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ [ኩሉግዜ] /3 እውድሱኻ ኣሃ
ቁጥር 2 · Verse 2
ንመን ምስኣሕፈርካ'ሞ ክሓፍር
ንዘኽብሩኻ ተኽብር
ጻድቕ ተሓዲጉ ዘርኡ ክልምን
የለን ኣይተጻሕፈን ኣይረኤኹን
ኣይተሐፍርን ኢኻ ኣይተሐፍርን /4
ስምካ ኮይኑኒ'ሎ መዕቆቢ ገዳም
በቲ እኩይ ከይትንከፍ መታን
ኣብ ማእከል ጸላእተይ እገዝእ
ከም ሽደን ኣንበሳ እተብዕ
ኣይተሐፍርን ኢኻ ኣይተሐፍርን /4
ቁጥር 3 · Verse 3
ብቀደሙስ ተወኪለካ'ንድየ
ብቀደሙስ ተደጊፈካ እንድየ
ብቀደሙስ ተጸጊዔካ እንድየ
ብቀደሙስ ተመኪሔልካ እንድየ
አዝማች · Chorus
[ንሓይልኻ ተኣማሚነዮ ንኽእለትካ ተኣማሚነዮ
ንስልጣካ ተኣማሚነዮ ንቅልጽምካ ተኣማሚነዮ] /2
ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ [ኩሉግዜ] /3 እባርኹኻ ኣሃ
ሓይሎም ብኣኻ ዝኾነ [ኩሉግዜ] /3 እውድሱኻ ኣሃ
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ