ኣምላኽ ሰማይ
Amlak Semay
5:34 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ኣሻሕ ኣእላፍ መላእኽትኻ ይሰግዱ'ለዉ ኣብ እግርኻ
ስልጣንን ሓይልን ናትካ'ዩ ግርማን ክብርን እናበሉ
ንሕና'ውን ኣብዛ ምድሪ ስለዘይብልካ መሳሊ
ነምልኸካ ተቃኒና ንባርኸካ ደው ኢልና
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ኩላ ምድሪ /2
ስምካ ይባረኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ /2x
ቁጥር 3 · Verse 3
ግዝኣትካ ወሰን የብሉን ዕቤትካ ደረት የብሉን
'ታ መንግስትኻስ ህያው ኢያ ዘይትነቃነቅ 'ውን'ያ
ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብምድሪ የለን ቦታኻ ዝትክኦ
ዙፋንካ ንዘልኣለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ
አዝማች · Chorus
ኣምላኽ ሰማይ...
ቁጥር 4 · Verse 4
ኣታ እንፈትወካ ፍትውና ንባርኸካ ኣሎና
ስምካ ምምስጋን ክብርና ንሱ'ዩ ዓቢ ሓጎስና
ስለዚ ስቅ ኣይንብልን ምምስጋን ኣይነቋርጽን
ከቢርካ ክንርኢ ከሎና ብኡ ትዓግብ ሂወትና
አዝማች · Chorus
ኣምላኽ ሰማይ...
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ