Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ጊዜ ኣለዎ

Gizie Alewo

5:34 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ኣብቲ ናተይ መወዳእታ መፈጸምታ

ኣምላኸይ ሽዑ ይጅምር ናቱ መጀመርታ

ከንቱ ኣይኮነን ዝፈስስ ኩሉ ንብዓተይ

ኣብጭልፍኡ ይእክቦ'ዩ ኣምላኸይ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽይ ግዜ'ለዎ

ግዜ'ለዎ የሱሰይ ግዜ'ለዎ

ግዜ'ለዎ ንብዓተይ ንኽደርዞ

ግዜ'ለዎ ጸሎተይ ክምልሶ

ክሳብ ሸውዓተ ግዜ ዝኣክል ክዞሮ'የ

ፍጹም ኣይሕለልን ኣነስ ኣይደክምን'የ

ንሱ ብምዱብ ግዜኡ ክምልሶ

መዓስ ከይፈረሰ ቀጽሪ ያሪኮ ክተርፍ'ዩ

ግዜ'ለዎ...

ብዘይ ፍልጠትከ ንምኽሩ መን የጸልምቶ

ነቲ ንሱ ዝመደቦ መን ይዓግቶ

ይምልስ ይበጽሕ የሱስ ከም ድሌቱ

ከይደንጎየ ከይቀልጠፈ ኣብ ሰዓቱ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽካ ግዜ'ለዎ

ግዜ'ለዎ ሃዲእካ ተጸበዮ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽኪ ግዜ'ለዎ

ግዜ'ለዎ ቦታኺ ተጸበይዮ

ግዜ'ለዎ ኣምላኽና ግዜ'ለዎ

ግዜ'ለዎ ሃዲእና ንጸበዮ

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ