Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ብበረኸት ቤቱ

Bbereket Betu

7:17 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ብበረኸት ቤቱ ህይወተይ እናጽገበ

የንብረኒ ኣሎ ዓወት ተኸቢበ

ከምዚ ናተይ ናብራ ትነብሩ ዘለኹም

ኣእዳውኩም ኣልዕሉ ባርኹ ኣምላኽኩም /2

ኣምላኽይ /3 ደላዪ ጽቡቐይ

ኣምላኽይ /3 ፈታው ሰናየይ

እቲ ንህይወተይ ጽቡቕ ዝሓስበላ

ካባይ ኣብሊጹ ዝጥንቀቐላ

ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እናኣሰጋገረ

ኣብ ርእሲ ጸላእተይ እኔኹ ደው ኢለ /2

ኣምላኽይ...

ደጊም ዝሕዘኒ ኩሉ ዝኣስረኒ

ካባይ ኣንከራርዩ ፍጹም ተደንኪሉ

ካብ ቃቁራ ወጺኤ ገጸይ ዘርእየሉ

ምስጋና'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ

ተመስገን'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ

ተመስገን የሱስ ተመስገን የሱስ /2

ብዘይ ብኡ ቃላት የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ብዘይ ንሱ ቋንቋ የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ተመስገን'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2

ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ

ኩሉ ትገብረለይ እቲ ትሓስበለይ

እንታይ እንተበልኩኻ'የ ልበይ ዝዓርፈለይ

ኩሉ ካብ ኣእምሮይ ንላዕሊ ኮይኑኒ

ገለ እንተገለጽኩስ እኔኹ እቃኒ /2

ተመስገን'ዩ ቋንቋይ ድምጸይ ዘስምዓሉ

ተመስገን የሱስ ተመስገን የሱስ /2

ብዘይ ብኡ ቃላት የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ብዘይ ንሱ ቋንቋ የብለይን ንዓኻ ዝኸውን /2

ተመስገን'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2

ተመስገን'የ ዝብለካ ደጋጊመ

ተባረኽ'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2

ተባረኽ'የ ዝብለካ ደጋጊመ

ልዕል በል'የ ዝብለካ [ደጋጊመ] /2

ልዕል በል'የ ዝብለካ ደጋጊመ

ንገስ ንገስ እብለካ [ደጋጊመ] /2

ንገስ ንገስ እብለካ ደጋጊመ

ግዛእ ግዛእ እብለካ [ደጋጊመ] /2

ግዛእ ግዛእ እብለካ ደጋጊመ

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ