እቲ ሓያል
Eti Hayal
8:42 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
እቲ ሓያል ዓቢ ነገር ጌሩለይ
ዘኪርዎ ኩሉ ውርደተይ /2
እቲ ዓቢ ምረት ንሰላመይ ለዊጥዎ እቲ ዝኸብደኒ ጾር ወሲድዎ
ከመይ ኢሉ ይኾነሉ ናተይ ነገር ጐይታ'ዩእምበር /2
ናይ እምነት መርከበይ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደት
ማዕበል'ውን ናብዝን ናብትን ደፍኣ ንምጥሓል'ውን ቀረበት
ማያት'ውን ምስኣተዋ ኣዝየ ክጭ ነቅጀመርኩ
ብኽእለተይ ክፈትሖ ላዕልን ታሕትን በልኩ
ሓላውየይ ግን ኣይተታኸሰን ነቲማዕበል ገንሖ ጸጥ ኣበሎ
ዓቢ ህድኣት ኮነለይ ሰላመይ'ውን መልኣለይ
አዝማች · Chorus
እቲ ሓያል...
ቁጥር 2 · Verse 2
መንፈሰይ ብኣምላኸይ መድሕነይ ባህ እብሎ
ውርደት ባሪይኡ ንዝረኣየ ነቲ ሓያል እባርኾ
ኣብቅድሚ ኣምላኸይ ጸጋ ረኺበየ'ሞ
ካብ ሕጂ ንዘልኣለም ንሽሙ'የ ዘኽብሮ
ምሕረቱ ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር ኢዩ'ሞ
ነብሰይ ንእግዚኣብሄር ደስ ኢሉዋ ተዕብዮ
አዝማች · Chorus
እቲ ሓያል...
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ