Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ክሳብ ሕጂ ዝጾራኒ

Ksab Heji Zxorani

5:01 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

ማዕበል ሞት ኣየፍርሃንን ነድሪ ኣኽራን ኣየስጠመንን

ብማእከል ሓዊ ሓሊፈ ሃልሃልታ ኣይህሙኸንን

ርእያ ዘደንቕ ሳህልኻ ከምእትቀርብ ካብ ትንፋሳ

ሳላኻ ደው ኢላ ተመስግን [ካብሰዓርቲ በሊጻ] /4

ክሳብ ሕጂ ዝጾራኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

ክሳብ ሕጂ ዝተሰከማኒ ብሩኻት ኣእዳውካ

ኣየ 'ቲ ትዕግስትኻ እዋይ ምሕረት ለውሃትካ

እናዳ ተደነቕኩ እባርኸካ ጎይታ አመስግነካ

ንስኻስ ምስጋናይ ኢኻ

ብጓሂ ተኪዘ ይመጽእ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ይወድቕ

ድንጋጽካ ኣይተኸልከለንን ብትርኢት ገጽካ ይጸግብ

'ታ ሃረርታ ትሑታት እትሰምዖ ንልቦም'ውን ተበርትዖ

ውሉደይ ኢልካ ደጊፍካኒ [ምጽንናዕካ ከቢብካኒ] /4

ክሳብ ሕጂ ዝጾራኒ...

ብልዕልናኻ ንረድኤተይ ኣብ ሰማያት ዝተወጣሕካ

ጸበባ ድነሞት ሰጊረ ተጸይረ ኣብ ኣእዳውካ

ኣዚዩ ንምእማኑ ዘሸግር ኩነታት ኣሳጊርካይ

'ታ ንሞት ዝተፈርደት ሂወተይ [እንሆ ትዝምረልካ] /4

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ