ሕጂ ኢያ መዓልቲ ምድሓን
Heji Eya Mealti Mdhan
6:19 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ሎሚ ጽባሕ ኣይትበል ንየሱስ ተቐበል
ግዜ ምሕረት ከሎ የርክበሉ ኣይትበል
ቁጥር 2 · Verse 2
[ብየሱስ ዝኣመነ ኩነኔ የብሉን
ናይ ዘልኣለም ሞት'ውን ከቶ ኣይፍረዶን] /2
አዝማች · Chorus
ሕጂ'ያ እወ ሕጂ'ያ
ቁጥር 3 · Verse 3
ሕጂ'ያ እታመዓልቲ ምድሓን ሕጂ'ያ
ቁጥር 4 · Verse 4
ባህ ኣይብለንን ትብለሉ ከይመጸ
ክፉእ መዓልትታት ድማ ከይቀረበ
ቁጥር 5 · Verse 5
[ንሰብ ሓንሳብ ሞት'ያ ድሕሪኡ'ውን ፍርዲ
ሞት ቆጸራ የብሉን ተቀበሎ ሕጂ] /2
አዝማች · Chorus
ሕጂ'ያ እወ ሕጂ'ያ...
ቁጥር 6 · Verse 6
መጻኢ ሂወትካ ኣብ ኢድካ ኣይኮነን
ጽባሕ ኣይናትካንኢያ ንጽባሕ ኣይትበል
እታ መዓልቲ ምድሓን ከየምለጠትካ
ወሲንካ ተቐበል ሕጂ ነቲ ዝሞተልካ
እታ መዓልቲ ምድሓን ከየምለጠትካ
ወሲንካ ተቐበል ሕጂ ንየሱስ ከም ጐይታኻ
አዝማች · Chorus
ሕጂ'ያ እወ ሕጂ'ያ...
ቁጥር 7 · Verse 7
ሓጢያትካን መርገምካን ወሲዱ ዝሞተ
ምእንታኻ ክብል'ዩ ሲኦል ዝወረደ
ቁጥር 8 · Verse 8
[ግዜ ከሎ ሕጂ ግዜ ኣይትጸበ
ደሓር ከይትጠዓስ ኢየሱስ ምስመጸ] /2
አዝማች · Chorus
ሕጂ'ያ እወ ሕጂ'ያ...
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ