Lyriqaሊሪቃ · የመዝሙር ግጥሞች

ሰናይ ኢኻ

Senay Ika

5:36 · ትግርኛ

▣ አቅርብ / Present✎ እርማት ጠቁም

፩) ኣጉባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን

ኣባጽሕውን ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ

እቶም ንዓኽ ዝጽበዩኻ

ሓይሎም እናበርትዔ ክደምቁዩም ገና

ተደጋሚ፦ ሰናይ ኢኻ እወ ሰናይ (፪)

ብባሕርኻ ሰናይ ኢኻ

ሰናይ ድማ ትገብር ኣሎኻ

፪) ኣኽራን ብነድሮም እንተንቀጥቀጡ

ማያት ዓፊሮም ተተናወጹን

በዚ ሰናይካ ኣይልወጥን'ዩ

ሰንደቅ ዕላማኻ ፍቅሪ እዩ

ተደጋሚ፦ ሰናይ ኢኻ እወ ሰናይ (፪)

ብባሕርኻ ሰናይ ኢኻ

ሰናይ ድማ ትገብር ኣሎኻ

፫) ሕማቅ ክትርኢ ኣይኮነልካንዩ

ርሱዕ ምዝካር ባሕሪኻ እዩ

ንጭኑቕ ሽጉር ፍትሒ ተውጽአሉ

ልምድካስ ወትሩ ሰናይ እዩ

ተደጋሚ፦ ሰናይ ኢኻ እወ ሰናይ (፪)

ብባሕርኻ ሰናይ ኢኻ

ሰናይ ድማ ትገብር ኣሎኻ

፬) ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅርዎ

ከም ምኽሩውን እተጸውኡ

ኩሉ ነገር ንሰናዮም

ከም ዝድግፎም አይንጠራጠርን

ተደጋሚ፦ ሰናይ ኢኻ እወ ሰናይ (፪)

ብባሕርኻ ሰናይ ኢኻ

ሰናይ ድማ ትገብር ኣሎኻ

ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ