ኣይትምርመርን
Aytmrmern
8:01 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
ኣይትምርመርን ኩሉ ግን ትምርምር /4
ኩሉ [ከኣሊ] /3 ኩሉ ፈላጢ ገላጺ ናይ ውሽጢ
ስራሕካ ዘይምርመር ኣሰራርሓኻ
ንኹሉ ትምርምር ብሓደ ኣይትምርመርን ኢኻ
ምስትውዓልካ ሰፊሕ ወሰን ደረት ዘይብሉ
ኣእምሮኻ ስልጡን ደገፍ ኣየድልዮን ኢዩ
አዝማች · Chorus
ኣይትምርመርን...
ቁጥር 2 · Verse 2
መንገደኻን ጎደናኻን ኣብ ባሕርን ማያትን'ዩ
ኣሰርካ ኣይተፈልጠን ወዳጀ መዓሙቅ'ዩ
ካብቲ መንገድኻስ እዚ ሓደጫፍ ጥራይ'ዩ
ብዛዕባኻ እንሰምዖ ሕሹኽሹኽ ክንደይ ቁሩብ'ዩ
አዝማች · Chorus
ኣይትምርመርን...
ቁጥር 3 · Verse 3
ንወሰናት ምድሪ ፈጣሪ ዘይተመርማሪ
ኣይትመውት ኣይትደክም ዘልኣለማዊ
መሰረት ናይምድሪ ብትንፋስ ኣፍካ ትቀልዖ
ምድሪ ምስ ምልኣታ ብሓይሊ ቃልካ ጼርካዮ
አዝማች · Chorus
ኣይትምርመርን...
ቁጥር 4 · Verse 4
የሱስ ብቃልን ብግብርን ከመይ ዝበልካ ከኣሊ
ፍቃድካ ክትገብር ዘይተረኽበካ ከልካሊ
ንዝመደብካዮ ምኽሪ ዘጸልምቶ መን'ዩ
ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ ስልጣን ኩሉ ናትካ'ዩ
አዝማች · Chorus
ኣይትምርመርን...
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ