ብዘይ ብኣኻ
Bzey Beaka
9:06 · ትግርኛ
ቁጥር 1 · Verse 1
[ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ
ብዘይ ንስኻስ እንታይ ሰናይ ኣሎኒድዩ] /2
ቁጥር 2 · Verse 2
ኣምላኸይ ዕጋበተይ ብኣኻ'ዩ
የሱሰይ ትምክሕተይሲ ብኣኻ'ዩ
ፍትወይ ደው ምባለይ ካባኻ'ዩ
ጎይታየ ሰላመይ'ሲ ካባኻ'ዩ
ቀደምሲ ጎይታ ብዛዕባኻ ሰሚዐ'የ
ሕጂግን የሱስ ዓይነይ ብርግጽ ርእያትካ
ካባይ ገለ ሰናይ ዘይወጽእ እንከሎ
የሱስ ንስኻ ኩሉ ጽቡቕ [ትገብሮ] /7
አዝማች · Chorus
ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...
ቁጥር 3 · Verse 3
ካብቲ በላዒ ብልዒ ምውጻእ ልማድካ'ዩ
ታሪኽ ሂወት ሰብ ምልዋጥ ናትካ'ዩ
ንዓኻ ምርካብ ኩሉ ሰናይ ምርካብ'ዩ
ትሕቲ በረኸት ልዕሊ መርገም [ምውጻእ'ዩ] /7
አዝማች · Chorus
ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...
ቁጥር 4 · Verse 4
ከምዝጨንቀካ ኢድ ሰብ ከቶ ኣይተገልግለካን
ከይሃብካዮ ካብ ሰብ ጽቡቅ ሰናይ የለን
ምሉእ ጽቡቅ ውህበት ኩሉ ካባኻ'ዩ
ዕጋበተይ ኩሉ ትምክሕተይ [ብኣኻ'ዩ] /7
አዝማች · Chorus
ብዘይ ብኣኻ እንታይ ጽቡቅ ኣሎኒድዩ...
ቁጥር 5 · Verse 5
ኣብ ልብኻ ካብ'ተሓሰብኩ ይኣኽለኒ
ኣብ ዓይንኻ ካብ ከበርኩ ይኣኽለኒ
ኣብ ኣእዳውካ ካብ ተወቀጥኩ ይኣኽለኒ
ኣብ የእዛንካ ካብ'ተሰማዕኩ [ይኣኽለኒ] /7
ምንጭ፦ ግጥሙ በ WikiMezmur ማኅበረሰብ የተገለበጠ ነው። የግጥሙ መብት የደራሲው ነው — የመብት ጥያቄ